top of page

ሓዱሽ ደብዳቤ ካብ ዓድዋ ሆስፒታል

መተሓሳሰቢ*************መተሓሳሰቢ********* Please Read********** መተሓሳሰቢ ንብትዕግስቲ ትፅበዩና ንዘለኩም ዝኸበርኩም ወገናትናን ኣሓትናን: ሓዱሽ ደብዳቤ ካብ ዓድዋ ሆስፒታል ብቑፅሪ 5057/108 :28/07 /07 ብዝተልኣኸልና መሰረት ከም ዝምልከት እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ዘመላኸተን መስረት ዝገበረን ሓዱሽ ለውጥታት ተጌሩ ኣሎ:: ዝሓለፈ ዓላማ ናይ ፕሮጀችትና ላውንደርን ተዛመድቲ ናውቲ ሕክምናን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ገሚትናዮ ዝነበርና ዶላር ቅድሚ ምእካብና ኣቀዲሞም መንግታዊን ዘይመንግስታዉን ትካላት ነቲ ፀገም ከም ዝፈትሑ ቃል ስለዝኣተዉ በቲ ድሌት እቲ ሆስፒታል ኣብ ሰነ 27/2006ዓ.ም ቁጽሪ 262/224 ብዝተለኣከልና ደብዳቤ መሰረት ናብ ካልእ ፀገም ዝኮነ ኤክስረይ ማሽን ብምቅያር እቲ ፀገም ንምፍታሕ ሓገዛትኩም ሓቲትና ንቅበል ፀኒሕና:: በዚ መስረት እቲ ናይ ኤክስረይ ፕሮጀክት በቲ ድሌትን ሓዱሽ ቅደም ስዓብን ሆስፒታል ዓድዋ መሰረት ለውጢ ተጌርሉ ኣሎ:: ስለዚ ኣብ ኢድና ብዘሎ ገንዘብ ክንገብሮ ንክእልን ኣብ ኣፈፃፅምኡን ወሲና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብህፁፅ እቲ ሆስፒታል ካብ ዘድልይዎ ነገራት ንክነውዕሎ ስጉምቲ ክንወስድ ይግባእ : እዚ ሓላፍነት ድማ ኣብ ውሑዳት ዝግደፍ ስራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ወገን ኣብቲ ዝውሰን ውሳነ : ኣብቲ ዓቅሓ ምድላይ፥ ኣብ ምግዝእ ከምኡዉን ኣብ ምርክኻብን ኢድና ክንሓውሰሉን ፈጸምቲ ክንከውን ንተግባራውነቱ ሓቢርና ንኽንሰርሕ ነተሓሳስብ ውይም ድማ ንምሕፀነኩም:: በዚ መሰረት ኣብቲ ድሌት ሆስፒታል መሰረት ጌርና በቲ ኣብ ኢድ ASDA ዘሎ ገንዘብ ጠቅላላ ድምር (ኣብ ኦንላይንን ዌልስፋርጎ ባንክን ) = $20,921.42 እንትከዉን... ምስ ናይ ካሊኦት ኣሕዋትና ለንደንን ኢትዮጵያን ሓዊስና ከኣ ካቶም ታሕቲ ዝተገልፁ መሰርሒ ሕክምና ዝተወሰኑ በቲ ዘለና ኣቅሚ ክንገዝእ ወሲና ኣለና:: እቲ ኣብ ምእላሽ ክትሕጉዝና እንደልዮ ማሽናት ናይቲ ሆስፒታል ደረጃ ዝሓለወ መሰርሒ ምስቲ ናይ ኢትዮጵያ ኤለክትሪክ ሓይሊ ዝስርሕን መለዋወጢ ኣቅሓ ዘለዎን ምዃኑ ምርግጋፅ የድሊ ኣብቲ ደብዳቤ ኻብ ዝተዘርዘሩ እቶም ሰለስተ 1. Suction machine(20) 2. Atmospheric Oxygen concentrator(30) 3. Pulsoxemeter(3) በዚ መሰረትም ኣብዚ ጉዳይ ኩላትና ንክንሳተፍን ዝኮነ ሓበሬታ ንክትህቡናን ብትሕትና ንላቦወኩምን ነተሓሳስበኩምን:: ማሕበርኩም ASDA

contact us7743273262 , inbox us, email us adwankebabian@gmail.com...

Tags:

Featured Posts
Recent Posts
Archive
Search By Tags
Follow Us
  • Facebook Basic Square
  • Twitter Basic Square
  • Google+ Basic Square
bottom of page